ሓደ ሓደ ሕቶታት

Q. ክመይ ገይረ ዓሚል ክኮን ይክእል?

ካብ ዝሓስብዎ ንላዕሊ ቐሊል እዩ። ይመዝገቡ ዝብል ኣብ ላዕሊ ዘሎ መውፅኢ ኪሊክ ብምግባርን ንቲ ቁፂሉ ዝመፅእ ቅጥኢ ብምምላእ ይልአኩዎ። ናትና ስራሕተኛታት ክድውልሎም እዮም።

Q. ንምንታይ እዩ ድሕሪ ምዝግባ ምጥቃም ዘይከል?

ሓዱሽ ተመዝጋቢ ተኮይኖም/ነን ናይ ደንበኝንነት ክፍሊት ምክፋል ስል ዘሎዎም/ውን እዩ፡ ብምቕፃል አካውንቶም/ተን ብምንቓሕ ምጥቃም ይከሉ እዩም። ነባር ዓሚል ትኮይኖም ናይ መጥቅሚ ስሞም ብምእታው ናይ መሕለፊ ቃል ለአክለይ ብምባል ናብ ኢሜይል አድራሻኦም ናይ መሕልፊ ቃል ክለአከሎም ብምግባር ምጥቃም ይከእሉ እዮም።

Q. መዓዝ እዩ አካውተይ ዝነቅሐለይ ድህሪ አብ ዌብ ሳይት ምምዝጋበይ?

ድሕሪ አብ ዌብ ሳይትና ምምዝጋቦም ናይ ዓሚልነት ክፍሊት አብ ምልክታ.ኮም ቢሮ ብምምፃእ ብምክፋል ወይ ደማ ናብ ናይ ምልክታ.ኮም ባንኪ ሒሳብ ቁፅሪ ቅርሺ አታዊ ብምግባር ዓሚሊኖቶም ብምጅማር/ብምሕዳስ ምጥቃም ይከእሉ እዮም። ብአማሪፅነት ብኢሜይል አድራሻና info@milkta.com ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ +251 914-702952/ +251-3444-11006 ምሕታት ይክእሉ እዮም::

Q. ሀመይ ግይረ ናይ ዓሚልነት ክፍሊት ክከፍል ይከእል?

አብ መቐለ ተኮንኩም ናብ ናይ ምልክታ.ኮም ቢሮ ቀዳማይ ወያነ ህንፃ ቢሮ ብሎክ ረ ቁፅሪ 314 ብምምፃእ ወይ ድማ ሲልኪ ድዊልኩም አድራሻኩም ተነጊርኩምና ሰራሕተኛታና ብምልአክ ኪፊልቱኩም ክቅብልኩም ይክእሉ እዮም።

Q. ናይ መጥቐሚ ስም ውይ ድማ መሕልፊ ቃል ረሲዕዮ ከመይ ጌረ ክረክቦ ይክእል?

ናይ መሕልፊ ቃል ንምስትዋስ ናይ መጥቀሚ ስሞም ብምእታው ናይ መሕለፊ ቃል ናብ ኢሜይል አድራሻኦም ይለኣክሎም።

Q. ተውሳኪ ሓበሬታ ብዛዕባ እቴ ጨረታ ከመይ ክረክብ ይክእል?

ዓሚል ምልክታ.ኮም እንተኮይኖም ናይ መጥቀሚ ስሞምን መሕለፊ ቃል ብምእታው ሙሉእ ሓበሬታ ምርካብ ይኸእሉ እዮም። ዓሚል እንተይኮይኖም ደማ ናይ ዓሚልተት ቅጥዒ ብምምላእ ዓሚል ይኩኑ።

Q. ናይ መጥቀሚ ሓበሬታይ ምስትክካል ይከእል ዶ?

እወ ምስትክካል ይክእሉ እዮም። ናብ ናይ ባዕሎም ኣካውንት ብምእታው ዘድልዮም ሓበሬታ ምቅያር ይክእሉ እዮም።

Q. ናይ ተውካሊ ሰብ ሓበሬታ ሃመይ ምስትክካል ይክእል

ናብ ናይ ባዕሎም ኣካውንት ምስ ኣተዉ ኣብ ትሕቲ ናይ መጥቀሚ ስሞም ምስትክካል ዝብል መማረፂ ይረኽቡ ኑኡ ብምጥዋቅ ምስትክካል ይክእሉ እዮም።

Q. ዓሚል ንምካን ንትካል ጥራሕ ድዩ ወይስ ንግለ ስብ ውን ይፍቀድ ዶ?

ምልክታ.ኮም ንትካላትን ንግለሰብ ብማዕረ ዘገልግልን ዘጥቅምን እዩ።

Q. ዓሚልነተይ መኣዝ ይውዳእ?

ዓሚልነትኩም ዘገልግል ንሓደ ዓመት ኮይኑ ካብ ክፍሊትኩም ዝኸፈልኩምሉ መዓልቲ ጅሚሩ ይኸውን። እንድሕር ተዘይ ሓዲሹ ቅድሚ ዓመት ምምልኡ ሓደ ወርሒ ኽተርፎ ጀሚሩ ንምስትዋስ ናይ ኢሜይል መልእክቲ ብ 30፣ 15፣ 10፣7፣5፣4፣3፣2፣1 ይለኣኸሎም። በዚ መሰረት ቅድሚ ግልጋሎት ምቑራፁ ክፍሊት ብምፍፃም ምንዋሕ የኽእሎም እዩ።