ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅምብላ ናይ 2017 በጀት መደበኛ በጀት ኣብ ወረዳና ንዝርከባ ዝተፈላላያ ኣብያተ ዕዩ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ኣቅሑት ፅሬት: ናይ ሕትመት ስራሕቲ ኣብዞም ዘፈራት ንዝተወፈርኵም ሑፅያት ተወዳደርቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ክሕትምን ይደሊ

Asgede Tsimbla Planning and Finance Office

1 በቲ ዘፈር ግብሪ ንግዲ መንግሰቲ ከፊልኩም ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ሐደ ዘይምለሰ ቅዳሕን ዝምለስ ዋናን ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ ሰርትፊኬት ዘለኩምን ሐደ ዘይምለሰ ቅዳሕን ዝምለስ ዋናን ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገብኩምን ናይ ዘመኑ ዝሐደስኩምን ሐደ ዘይምለሰ ቅዳሕን ዝምለስ ዋናን ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ኣብ ፅሕፈት መሳርሒ ንእትወዳደሩ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝጉባት ዝኮንኩም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሬጅስትሪሽን ዘለኩምን እንተናአሰ ክሳብ 30 ናሐሰ 2016 ዓም ተወሳኪ ታክስ ሪፖርት ዝገበርኩምን ናይ ዚኦም ኩሎም ዘይምለሰ ሕድሕዶም ሐደሐደ ቅዳሕን ዘይምለስ ዋናን ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ናይ ኩሎም ዝተሐተቱ መረዳእታ ዘይምለሰ ሐደሐደ ቅዳሕ ምስ መጫረቲ ሰነድ ብፖስተ ዓሺግኩም ክተቅርቡ እትክእሉ

6 ዝምለስ ናይ ተደለይቲ ረቆሒታት ወና ሰነድ ክተቅርቡ እትክእሉ

7 ተወዳደርቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይቲ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ማለት እዉን ቪድቮንድ ንሕፅፈት መሳርሒ 11000 ቅርሺ :ንሕትመት ስራሕቲ 3000 ቅርሺ :ንፅሬት ኣቅሑት 3000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይ ብጥረ ገነዘብ : ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረት ወሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ  ሌተር ኦፍ ክሪዲት ክተትሕዙ እትክእሉ

8 ተወዳደርቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ11/2/2017 ዓም ዘይምለስ 150 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ኣብ ስራሕ መዓልቲ እንመፃእኩም ብምዉሳድ ናይ ዋጋ ዝርዝር ብምምዓእ ኣብ ከይዲ ስራሕና ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣታዊ ክትገብሩ ንዕድም

9 ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 11/2/2017 ዓም ክሳብ 26/2/2017 ሰዓት 4:00 ኣበ ዘሎ መዓልቲታት ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ ዕለት 26/2/2017 ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን  ይክፈት

10 ናይቲ ጨረታ ወጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ንተከታተልቲ ን35 መዓለቲታይ ይከዉን

11 ቤት ፅሕፈት ኣበ ዝተዘርዘሩ ንብረታት 20 ሚእታዊ ከከምኩነታቱ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0914781384 / 0948539374

Sponsors

The ways ideas spread.
Milkta Logo