ቤት ፅሕፈት ቤት ፍርዲ ማእከላይ ከተማ መቐለ ን 2012ዓ/ም በጀት ዓመት ኣጎልግሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ ፈርኒቸር ኣቅሑት ፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ካብ ሕጋዉያን መቅረብቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ናይዚ ዘመን ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘቅርብን

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ዘለዎ

3 ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን

4 ናይ ጨረታ መኸበሪ ቢድ ቦንድ 5000 ቅርሺ ብሽም ቤት ፅሕፈትና  ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣብ ጨረታ ዝክፈተሉ  ዕለት ከትሕዙ ኣለዎም

5 ዋጋ ዝመልኡሉ ናይ ጨረታ ሰነድ  ብቤት ፅሕፈት ቤት ፍርዲ  ማእከላይ ከተማ መቐለ ዝተዳለወ ጥራሕ እዩ

6 ዋጋ ዝምለአሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ከተማ መቐለ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ሒሳብ ክፍሊ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 03/02/2012ዓ/ም ክሳብ 17/02/2012ዓ/ም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይካኣል

7 ሰነድ ጨረታ ተመልኡ ብዝተዓሸገ ፖስታ ንዑኡ ተባሂሉ ኣብ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 18 ዘተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 17/02/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ሰዓት ከእትዉ ኣለዎም

8 እቲ ሰነድ ጨረታ ዕለት 17/02/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ይኩን ዘየለዉሉ ይክፈት

8 ናይ ተወሳኪ እሴት ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ናይ ወርሒ መስከረም 2012ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም

9 ተጫረቲ ብናይ ባዕሎም መጋዓዝን መራገፍን ዘቅርቡ

10  ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝታሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 40 40 50 93

ድሕሪት
ጨረታ መደብ