ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ንቤት ፅሕፈት ወረዳ ዓድዋ ኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒ ህንፃ፣ መሳርሒ ሕርሻ፣ ጋብዮንን ከምኡውን ዝትፈላለዩ ናይ ኣግራብ ኣሕምልትን ዘርኢ ዝተዳቀለ ፈልስን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ይደሊ።

1 ተጫረቲ ውሽጢ ዓዲ በበዚ ዘፈሩ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ፤

2 ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገብኩምን መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎ ዋና ምስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ተጫረቲ ውሽጢ ዓዲ ናይ 2010 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈልሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 ተጫረቲ ተወሳኬ እሴት ታክስ ምዝጉባትን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጡን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል፤

5 መከበሪ ጨረታ ንሕድሕድ 4000.00 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

6 መጋዓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ክሳብ ጣብያ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ክሽፍኑ ዝክእሉ፤

7 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 30 መዓልቲ ይከዉን።

8 ሰዓራይ ኮይኑ ዘቅረቦ ዝሰዓሮ ብዝምልከቶ በዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ርኽክብ ይፍፀም።

9 ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 50.00 ቅርሺ እንዳከፈልኩም ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 11/06/2011ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ቢሮ ቁፅሪ 7 በምዉሳድ ትክእሉ።

10 ጎዳጉዲ መቅረቢ ዝኣኽለሉ መዓልቲ 05/07/2011 ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ይክፈት።

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347-712321 ወይድማ 0347-712160 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ድሕሪት
ጨረታ መደብ