ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፀ ሕድሕድ ሎት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::

ምልከታ ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፀ ሕድሕድ ሎት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሮቆሒታት ብምምላእ ተተሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር ( ስፐስፊኬሽን ) መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ቢሮ ቑፅሪ 03 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቲ ከምትኽእሉ ነፍልጥ

ሎት 1 ናይ ላባራቶሪ ኣቑሑትን ኬሚካላትን ( Laboratory equipment and chemicals )

ሎት 2 ናይ ፅሬት አቑሑት

ሎት 3 ናይ ፅሐፈት መሳርሒ(stationary )

ሎት 4 ባህርዛፍ

ሎት 5 ናይ ኤሌክትሪክ አቁሑት ( Electric Device )

ሎት 6 ናይ ህንፃ መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቆሒ

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ፈቓድ ዘለዎ::

2 ናይ ጨረታ መትሓዚ ቢድ ቦንድ ብስም ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ አብ መምርሒ ጨረታ ዝተጠቐሰ ብር ወይ C.P.O ከትሕዙ ይግባእ:;

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክሲ ( VAT ) ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ዲክረርሽን ዝገበርኩምን መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኽቕርቡ አለዎም::

4 ተጫረቲ ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ዘዳለዎ ፎርሚ ብትካሎም ሽም ቃላ መሓላ ፈሪሞም ከቕርቡ አለዎም::

5 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ኸቕርብ ዘለዎ እንትኸዉን ዋንኡ / ኦርጅናልን/ ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ ዝተሐዳሰ ንግዲ ፈቓድ ቲን ዝተመዝገቡ ቃለ መሓላ ናይ ዝተሐደሰ አቕረባይነት ምዝገባ ምስክር ወረቐት : C.P.O ወዘተ ዝድሊ ሰነድ ብኦርጅናል ዶክመንት ከትሓሕዝ ዝክእል::

6 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 3 ዘይምለስ ንሎት 20 /ዒስራ ቅር/ ከፊሎም ብምዉሳድ አብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽምን ፊርማን ኦርጅናልን ክገልፁ አለዎም::

7 ጨረታ ከተዓናቕፉ ዝሞኩሩ ተጫረቲ ካብቲ ጨረታ ወፃኢ ከምዝኾኑን ዘትሓዝዎ ዉሕስና መኽበሪ ጨረታ ኸም ዝዉረስን ንቐፃላይ ጨረታ ከይሳተፉ ይግበር::

8 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኺ ቑፅሪ 03 44 41 61 22 ክሓቱ ይኽእሉ::

9 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 15/ 04/ 2007 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 30 /04 /2007 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 30/ 04 /2007 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ቢሮ ቑዕሪ 02 ይኽፈት የኹን እምበር ተጫረቲ ኣብ ዝኽፈተሉ ግዜ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይተኣጎጎልን::

10 ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ዝዕድጎ ኣቑሑ ብዝሓት ኸም ኣድላይነቱ 20 % ምቅናስን ምዉሳክን ይኽእል ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::


 

አድራሻ ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ

ስልኪ ቑፅሪ 03 44 41 61 22

ኣብ ቢሮ ሕርሻን ገፀርን ክልል ትግራይ ግቢ


 

ድሕሪት
ጨረታ መደብ