ማእከል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንዉጉኣት ተጋደልቲ ንምግብነት ግልጋሎት ዝዉዕል ዉፅኢት ባልትና ብግልፂ ኣጫሪቱ ክዕድገ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ የካቲት 6, 2016 ( ቅድሚ 3 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ የካቲት 20, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:50000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:150.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ የካቲት 20, 2016 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • ኣቅርቦት ምግቢ /
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 ተጫረቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ (ቲን ናምበር) ናየ ኣቅራባይነት ፍቃድን ዘለዎምን ኣድላይ ደኩሜንት ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቅርቡ ይግባእ

2 ተጫረቲ አብ ዘእተዉዎ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ንፁር ዋጋ  መሊኦም ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከቅረቡን ኣብ ኣመላልአ ዋጋን ስፐስፊኬሽን ንዝፈጠረዎ ጌጋ ተቐባለነት ዘይብሉ ፈሊጥኩም ብጥንቃቄ ክተመልኡ ይግባእ

3 ተጫረቲ ማ/ተ/ሰ/ትግራይ መለስ ካምፓስ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኩም ካብ ዕለት 6/6/2016 ዓም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 20/6/2016 ዓም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ  ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከተእተዉ ይግባእ

4 ተጫረቲ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ስፐስፊኬሽን በቢ በይኑ ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ

5ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዓየነት ግልጋሎት ዝተሐኣዘዘ ግዘ መጠንን ፅሬትን መሰረት ክክዉን አለዎ

6 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ  ወኪላቶም ኣብ ዘለዉሉ ዕለት 20/6/2016 ዓም ቴክኒካል ስፐስፊኬሽን ቅድሚ ሰዓተ 4:00 ተዓፅዩ 4:30 እንትከፈት እቲ ፋይናንሻል ስፐስፊኬሽን ድማ 8:00 ሰዓት ይክፈት

7 ናይ ጨረታ መከበሪ 50000 / ሓምሳ ሽሕ/ ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ጥራሕ ብማ/ተ/ሰ/ትግራይ መለስ ካምፓስ ሽም ብዝተዓሸገ ፖሰታ ከእትዉ ይግባእ

8 ተጫረቲ ዝርዝረ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 150 ቅርሺ ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምክፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፈሊ ክወስዱ ይግባእ

9 ተጫረቲ ማህተም ዘለዎ ምሉእ ኣድራሻኦምን ስለኪ ቁፅሮምን ከቀምጡ አለዎም

10 ተጫረቲ ናይ ባት ተመዝጋቢ ሰርተፊኬት ኮፒ ከተሓሕዙ አለዎም ተቅርብዎ ዋጋ ድማ ቫት ዝሐወሰ ዘይሐወሰን ምካኑን ክገለፅ አለዎ

11 ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓየነት ግልጋሎት ዉዐሊ ኣሲሩ ኣሰብ ዉሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ግላጋሎት ክጅምር ይግባእ

12 ተጫረቲ ናይ 2016 ዓም ዘተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ምስ 2015 ዓም ግብሪ ከም ዝከፈለ መረጋገፂ ሰነድ ኣተሓሒዞም ከቅርብ ዝክእል ክከዉን አለዎ

13 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ በዉስን ወይ ከዓ ብሙለእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ