ቤት ህንፀት መቐለ ኣብ 2016 ዓም በጀት ዓመት ናይ ዝተፈላለየ ኤሌክትሮኒክስ ንብረት ናይ ኢድ ሞያ ጥራሕ ንምፅጋን ካብ ፍቃድ ዘለዎም ነጋዶ አወዳዲሩ ንሐደ ዓመት ዉዕሊ ኣሲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥሪ 8, 2016 ( ቅድሚ 4 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 10, 2016 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:--
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:--
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥሪ 10, 2016 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • ምግጣምን ፅገናን/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 ተጫረቲ በዚ ስራሕ ዘርፊ እዚ ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ስራሕ ፍቃድን መቅረባይነት ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

2 ቲን መፍለይ ቁፅሪ ዘለዎ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል ከምኡ ድማ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ጨረታ ድሕሪ ምክፋቱ ን 7 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ኮይኑ ሰዓራይ ዝኮነ ትካል እቲ ዝፅገን ንብረት ክፅግን ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ናብ ቤት ህንፀት መቐለ ብኣካል ብምምፃእ ብፅሬትን ሰለጤንን ፀጊኑ ከረክብ ዝክእል

3 ሰዓራይ ትካል ንዝሃቦ ግልጋሎት ዝከፈሎ ብር ልዕሊ 3000 /ሰለስተ ሽሕ/ ተኮይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 2 ሚእታዊ ይከፈል ኣብዚ ጨረታ ቫት ተመዝገብቲ ዘይኮኑ እዉን ክወዳደሩ ይክእሉ እዩም

4 ተወዳደርቲ ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነ ድማ ምስቫቱ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ማሕተም ፌርማን ብምግባር ኣብ ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ተመሊኡ ከቅርብ አለዎ

5 እዚ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 7/5/2016 ዓም ክሳብ 10/5/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ፀኒሑ ሰዓት 4:00 ይከፈት ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ሰዓሪ ኮይኑ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ ክልተ መዓልቲ 5000 ብር ብጥረ ገንዘብ ዉዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል

6 መስራቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0942659419 / 0914120805 ምሕታት ይከኣል

ድሕሪት
ጨረታ መደብ