ቤት መዘጋጃ ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ኣብ ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ናይ ጎደና ፅሬት ዝሰርሑ ብማሕበር ዝተወደቡ መናእሰይ ጋዉንን ናይ ልምዓት መሳርሕን ከምኡ እዉን ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ናይ ቢሮ ፈርኒቸርን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ብሬድዮ ዝተጋወሐሉ ዕለት 12/01/2013ዓ/ም እዩ

 1 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግድን ቲን ቁፅሪን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ፍቃድ ናይ ወርሒ ሰነ ወይ እዋናዊ ቫት ዲክለሬሽን ናይ ቫት ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ 05/13/2012ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 15/01/2013ዓ/ም 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይካኣል

3 ሰነድ ጨረታ ዝዕፀወሉ 15/01/2013ዓ/ ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 8፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

4 መኸበሪ ጨረታ 6000 ቅርሺ ብስፒኦ ከቅርብ ዝክእል

5 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

 ንተወሳኪ ሓበሬታ 09 12 19 57 38  

ድሕሪት
ጨረታ መደብ