ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ንዝሃንፆም መንበሪ ኣባይቲ ብማሽናት ሓመድ ናይ ምፍሓርን ምልዓልን ስራሕቲ ንምክያድ ስለዝደለየ ነቲ ዝተቀመጠ ረቁሓታት እተማልኡ ናይ ኮንስትራክሽን ማሽነሪ ኪራይ (Construction Machinery Rent) ፍቃድ ዘለኩም ተጫረትቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ንኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ ግልጋሎት ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ህ/መሳርሒ ማይ ብቦቲ ከቅርብ ዝክእልን ፕሮፎርማ ጨረታ ክዕድግ ይደሊ

ንካልኣይ ግዘ ዝወፀ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ክልተ ኪሊሜትሮ ፀፀር መንገዲ ማይ እትርብርብ ካብ 20 ሜትር ኬቢ ንላዕሊ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቅሚ ዘለዎ ቦጥ(ቦቲ) ብጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ ኣብዚ ንግዲ እዚ ዝተዋፈርኩም መቅረብቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ኣብ ከተማ መቐለ ሽረ ኣክሱም ዓብይ ዓዲን ካልኦት ከተማታትን የሳልጦ ኣብ ዘሎ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ክሰራሐ ዝክእላ ሰለስተ ኤክስካቫተር : ሽድሽተ ሎደር : ሓምሳ ሰለስተን ገልባጭ መኪና ማለት እዉን ዳምፕ ትራክ : ሓሙሽተ ናይ ማይ ቦቲ ማለት እዉን ዋተር ትራክ ተካሪዩ ከስርሕ ይደሊ

ትካልና ኣብ ከባቢ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ዝርከብ ክልተ ኪሊሜትሮ መንገዲ ማይ እትርብርብ ካብ 20 ሜትር ኬቢክ ንላዕሊ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቅሚ ዘለዎ ቦጥ ብጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ ኣብዚ ዘፈር ዝተዋፈርኩም መቅረብቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝዉዕል ንመስተይ ተክሊ ማይ ቦቲ ምሕደረ ሓምለዋይ ልምዓት ማለት እዉን ግሪነሪ ማናጅመንት ኣቅሑት : መኪናን: መጋረጃን ን2016 ዓም በጅት ዓመት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ህንፀት መቐለ ንተሃንፅቲ ዝዉዕል ፁሩይ ስተ ማይ ካብ ማይን ፈሳስን/ ካብ ኩሓ ካብ 15 ሜትር ኪብ ንላዕሊ ትሕዝ ቦጥ መኪና ናብ መቐለ ቤት ህንፀት ከቅርቡ ዝክእሉ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ን2016 ዓም ክሳብ ሰነ 30/10/2016 ዓም ዉዕሊ ክኣስር ይደሊ

ቤት መዘጋጃ ከተማ ሸራሮ ከይድ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ን2016 ዓም ናይታ ከተማ ኣብ ማእከል ኣስፓልት ዘለዉ ሓምለዎት ቦታት ተክልታትን ፈልሲ ጣብያ ካልኦትን ክሬቸር ካብ ዝበሃል ቦታ ማይ ብቦጥ እናዳጎዓዘ ተክልታት ከስቲ ምስ ዝክእል ናይ ማይ ቦጥ ኪራይ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሰርሕ ይደሊ

ቤት ህንፀት መቐለ ንተሃንፅቲ ዝዉዕል ፁሩይ ስተ ማይ ካብ ማይን ፈሳስን ካብ ኩሓ ኩብ 15 ሜትር ኪቡ ንላዕሊ ትሕዝ ቦጥ መኪና ናብ መቐለ ቤት ህንፀት ከቅርቡ ዝክእሉ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ን2016 ዓም ክሳብ ሰነ 30/10/2016 ዓም ዉዕሊ ክኣስር ይደሊ

ኢንተርፕራዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዘካይዶ ህንፀት መንገድን ፅገናን መንገዲን አገልግሎት ዝዉዕሉ ማሽናት ኪራይ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክካራይን ከምእዉን ዘይጥቀመሉ ሐደሽቲ መለዋወጢ ኣቅሑት መሳርሒ ህንፀት ማለት እዉን ኮንስትራክሽን ማተሪያላት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሽየጥን ስለዝደሊ ዝስዕብ ረቆሒ ዝተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ብክብሪ ይዕድም