ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዓም ንቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ከይዲ ስራሕ ሃፍቲ እንስሳ አገልግሎት ዝዉዕል መድሃኒት እንስሳ ንምግዝእ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ

1 ብዘፍር መድሃኒት እንስሳ ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግድ ዘለዎ

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ንምካኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3 ምስክር ወረቀት መቅረባይነት ዘለኩም

4 መረዳእታ ወረቀት ከፋላይነት ግብሪ ዘለኩም

5 ናይ ወርሒ ሕዳር 2010 ዓም ወርሓዊ ሒሳብ ዘወራረድሉ ዲክለሬር ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

6 ናይ ጨረታ መከበሪ 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒአ ወይ ቼክ ጥራሕ ዘትሕዙ

7 በቲ ዝአተዉዎ ዉዕሊ መሰረት ከይፈፀመ ዝተረፈ ጠቅላላ ዉዕሊ ዋጋ በቢመዓልቱ 0.0001 ማለት እዉን 1/1000 እዚ ኮይኑ ጠቅላላ ቅፅዓት ክሳብ 10% ከይተፀበየ እቲ ቤት ፅሕፈት ዉዕሊ ክስርዝ ይክእል እዩ

8 በዝሒ ዝግዛእ ንብረትን ብ 20% ክዉስክን ክቅንስን ይክእል እዩ

9 መከበሪ ዉዕሊ ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይድማ ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይትመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ክተትሕዝ አለኩም

10 ተጫረቲ ሰዓርቲ ምካኖም ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ክኣስሩ አለዎም

11 እቲ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን60 ተከታተልቲ መዓልቲታት ፀኒዑ ይፀንሕ

12 እቲ ሰነድ ጨረታ ብዘይስርዝ ድልዝ ክምላእ አለዎ ኮይኑ ግና ንምምላእ ዘየፀግም ስርዝ ድልዝን ተሃሊይዎ ናይ መቅረባይነት ኣብ ጎኑ ወይድማ ኣብ ልዕሊኡ ክግበር አለዎ

13 ነቲ ጨረታ ከዛብዝዕ ዝፈተነ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ ንቀፃሊ ኣብቲ ጨረታ ንከይሳተፍ ንክልል ሰርኩላር ይፀሓፈሉ ዘትሐዞ ቢድቢንድ ማለት እዉን መክበሪ ጨረታ እዉን ይዉረስ

14 ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ናይ ባዓል ዋና ፌርማ:ስምን:ኣድራሻን :ማህተምን ክህልዎ አለዎ

15 ኣብቱ ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነንብይኑ ብዝተዓሸገ ክልተ ፖስታ ከቀርብ አለዎ

16 ተጫረቲ ኣብቲ ከይዲ ጨረታ ጥርዓን እተሃሊዩዎም ብመሰረት መምርሒዝምልክቶ ኣካል ጥርዓን ናይ ምቅራብ መሰል አለዎም

17 ሰዓሪ ዝኮነ እቲ ንብረት ኣብ ቤት ፅሕፈትን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ አታዊ ይገብር

18 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነንብይኑ ብዝተዓሸገ ክልተ ፖስታ ከቀርብ አለዎ

19 ዝርዝር ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ታሕሳስ 5/2010 ዓም ክሳብ ታሕሳስ 24/2010 ዓም ኣብ ሰራሕ ሰዓት እቲ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

20 እቲ ጨረታ ታሕሳስ 24/2010 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ታሕሳስ 24/2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:30 ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ይከፈት

21 ቤት ፅሕፈትና በቲ ዝወፀ ጨረታ ካልእ መማረፂ ተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345510044/ 0345510702 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo