ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ 2010 ዓም በጀት ዓመት ኣብቲ ወረዳ ንዝርከብ ኣብያተ ፅሕፈት አገልግሎት ዝዉዕሉ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ንብረት ንምጎዓዝ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ

1 ፍቃድ ንግዲ መኪና ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ዘለዎ

2 ናይ ሳልሳይ ወገን ኢንሹራንስ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ዘለዎ

4 ከፋላይነት ግብሪ ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ መስከረም 2010 ዓም ወርሓዊ ሒሳብ ዘወራረድሉ ዲክለሬር ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

6 ጨረታ መከበሪ 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒአ ወይ ቼክ ጥራሕ ዘትሕዙ

7 በቲ ዝአተዉዎ ዉዕሊ መሰረት ከይፈፀመ ዝተረፈ ጠቅላላ ዉዕሊ ዋጋ በቢመዓልቱ 0.0001 ማለት እዉን 1/1000 እዚ ኮይኑ ጠቅላላ ቅፅዓት ክሳብ 10% ከይተፀበየ እቲ ቤት ፅሕፈት ዉዕሊ ክስርዝ ይክእል እዩ

8 ዝተወዳደርቲ ሰዓርቲ ምካኖም ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ ዝክእሉ

9 እቲ ሰነድ ጨረታ ብዘይስርዝ ድልዝ ክምላእ አለዎ ኮይኑ ግና ንምምላእ ዘየፀግም ስርዝ ድልዝን ተሃሊይዎ ናይ መቅረባይነት ኣብ ጎኑ ወይድማ ኣብ ልዕሊኡ ክግበር አለዎ

10 ነቲ ጨረታ ከዛብዝዕ ዝፈተነ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ ንቀፃሊ ኣብቲ ጨረታ ንከይሳተፍ ሰርኩላር ይፀሓፈሉ ዘትሐዞ ቢድቢንድ ማለት እዉን መክበሪ ጨረታ እዉን ይዉረስ

11 እቲ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን60 ተከታተልቲ መዓልቲታት ፀኒዑ ይፀንሕ

12 ጨረታ ምስተከፈተ ካብቲ ጨረታ ንዓርስካ ምግላል አይፍቀድን

13 ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ናይ ባዓል ዋና ፌርማ:ስምን :ኣድራሻን :ማህተምን ክህልዎ አለዎ

14 ተጫረቲ ኣብቲ ከይዲ ጨረታ ጥርዓን እተሃሊዩዎም ብመሰረት መምርሒ ዝምልክቶ ኣካል ጥርዓን ናይ ምቅራብ መሰል አለዎም

14 እቲ ሰነድ ጨረታ ብዘይስርዝ ድልዝ ክምላእ አለዎ

15 ሰዓሪ ዝኮነ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ኣብ ቤት ፅሕፈትን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ እቲ ዋጋ ክመልእ አለዎ በዘይካ ናይ ነዳዲ ናይ ወዛደርን መዉረድን መፅዓንን ከይሓሰ ክመልእ አለዎ

16 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ክልተ ፖስታ ከቅርብ አለዎ

17 ዝርዝር ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ታሕሳስ 5/2010 ዓም ክሳብ ታሕሳስ 24/2010 ዓም ኣብ ሰራሕ ሰዓት እቲ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

18 እቲ ጨረታ ታሕሳስ 24/2010 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ታሕሳስ 24/2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:30 ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ይከፈት

19 ቤት ፅሕፈትና በቲ ዝወፀ ጨረታ ካልእ መማረፂ ተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345510044/ 0345510721 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo