ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ከተማ ሸራሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕህንፃን ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዓም ኣብ ከተማ ኣብ ጣብያ ሐየሎም ቁሸት ዝርከብ ዋንነቱ ናይ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ ሸራሮ ዝኮነ ኮንደሚንየም ዝነበረ ሐደ ህንፃ ማለት እዉን G+3 ናብ ቤት ፅሕፈት ተቀይሩ ንምስራሕ ናይ ኮንስተራክሽን ፍቃድ ብደረጃ 8 ፍቃድ ንግዲ ዝለዎም ማሕበራት ማለት እዉን ዉልቀ ደቀቅቲን ኣናእሽተይን ትካላት ብግልፂ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ከተማ ሸራሮ

1 ናይ 2010 ዓም በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም : ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለኩም : ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝጉባት ዝኮንኩም

2 ናይ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ፍቃድ ንግዲ ስራሕ ናይ ኮንስትራክሽንን ተኮናተርቲ ምዝገባ ካርድን ዘለኩም

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ምስክር ወረቀት ዘለኩም

4 ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበርክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ አለኩም

5 ተጫረቲ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝረከቡ ደረጃ 8 ንእሽተይ ንግዲ ትካላት ናይ ኮንስትራክሽን ማሕበራት ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ፕሮጀክት ክጫረቱ ይክእሉ እዩም

6 ናይ ጨረታ ዉሕስና ብኢትዩጰያ ንግድ ባንክ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና መአዘዚ ክፍሊት ገንዝብ ማለት እዉን ስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ 12000.00 ቅርሺ ከቅርቡ አለዎም

7 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀከት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከቡ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 120 መዓልቲታት ማለት እዉን ኣብ ዉሽጢ 4 ወርሒ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

8 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 29 ሕዳር 2010 ጀሚሩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መጎዓዝያን ከተማ ሸራሮÂ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ቢሮ ቁፅሪ 2 ዘይምለስ 100 ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ እዩም

9 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፋይናንሻል ሰነድ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ሰነድ ጨረታ ናይ ስራሕ ተኮናተርቲ ናይ ዝተዉሃበ ምዝገባ ካርድ ፍቃድ ንግድ ስራሕ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ሙሉእ ምስክር ወረቀት ናይ ዝሐለፉ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበርክምሉ ምስክር ወረቀት ዉሕስና ጨረታ ማለት እዉን ቢድቦንድ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታት ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ሽም ዝጫረትሉ ፕሮጀከትን ኣድራሻን ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ኣብ ቢሮ ቍፅሪ 2 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 19 ታሕሳስ 2010 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዩም

10 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እንተይኣዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ከምዝነበሮ እንተይኣጎደሉ ከቅረቡ አለዎም

11 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 19 ታሕሳስ 2010 ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 19 ታሕሳስ 2010 ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 2 ክክፈት እዩ

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብሙሉእ ወይም ብክፋልናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 ተጫረቲ ካብ ዝቆፅርዎምÂ ግዚያዉ ሰራሕተኛታት 60 ሚእታዊ ንደቂ ኣንስትዩ ንከሳትፉ ድልዊ ክኮኑ አለዎም ብዘዘዘይ ፆታ አፈላላይ መዕረ ክፍሊት ንማዕረ ስራሕ ክክፈል ድልዊ ክኮኑ አለዎም

14 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345500595

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo