ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጉሎመከዳ ኣብ ወረድኡ ንዝርከብ ኣብያተ ፅሕፈታት ኣብ ቀዳማይ ግልፂ ጨረታ ዝተፈላለዩ ምክንያታት ከይተገዝኡ ተሪፎም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ዕድጊታት 2ይ ንምጭራትን ከምኡ ድማ ካለኦት ተወሰክቲ ዕድጊታት ንምፍፃምን ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ሃለቅቲ ናይ ፅሕፈት መሳርሕታት: ፅሬት ኣቅሑት: ኤሌክትሮኒከስ ኣቅሑት :ናይ መካይን መለዋወጪ ኣቅሑት: ናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጪ ኣቅሑትን ናይ እንስሳት መኖ ዘርእን ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወረዳ ጉሎ መከዳ

1 ናይ ተጫረቲ ሽም: ፊርማ :አድራሻ :ማሕተም አብቲ ሰነደ ጨረታ ክህልዎ አለዎ

2 ናይ 2009/10 ዓም በቢ ዓዉዲ ስርሑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድ ቲን ናምበር ዝተሐደሰ መቅረባይነት :ቫተ ዝተመዝገብሉ ሰርተፊኬት ወርሓዊ ቫት ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዲክሌር ዝገበርሉ ዝተገናዘበ መረዳእታ ኮፒ ከቅርብ ዝክእሉን ከምኡድማ ንናይ ፅሬት ኣቅሑት: ኤሌክትሮኒከስ ኣቅሑት :ናይ እንስሳት መኖ ዘርእን ቫት ዝተመዝገብኩምን ዘይተመዝገብኩምን መረዳእታኩም ብምቅራብ ክትወዳደሩ ከምትክእሉ

3 ብመሰረት እዚ ዝተዳለወ ስፔስፊኬሽን ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ጀሚሩ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

4 ናይ ጨረታ መክበሪ ንናይ ሃለቅቲ ፅሕፈት መሳርሒ ናይ መካይን መለዋወጢ ኣቅሑት ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይዉን ብጥረገንዘብ ብር 6000 ከምኡድማ ንናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቅሑት: ፅሬት ኣቅሑት :ኤሌክትሮኒከስ ኣቅሑትን :ናይ እንስሳት መኖ ዘርእን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይዉን ብጥረገንዘብ ብር 3000 ብሽም እቲ ቤት ፅሕፈት ከትሕዙ ዝክእሉ

5 ጨረታ ዝዕፀወሉ 25 ታሕሳስ 2010 ዓም ሰዓት 5፡00 ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም 25 ታሕሳስ 2010 ዓም ሰዓት 5፡30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ኣብ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ምምር/ን ይከዉን

6 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት እንተደኣ ብካላንደር ዝዕፆ በዓል ኮይኑ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ይፍፀም

7 ተጫረቲ ዝህብዎ መጫረቲ ዋጋ ን45 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ምካኑ ኣብቲ ዘቅርቦ ናይ ጨረታ ሰነድ ከረጋግፁ ይግባእ

8 ተወዳደረቲ ዋጋ እትመልኡ ኣብ ዝወሰድክምዎ ዝርዝር ስፔስፊኬሽን ኣብ ዝተደለወ ቅጥዒ ጥራሕ ይከዉን በዚ መሰረት እትመለእዎ ዋጋ ድማ ቫተ ዝሐወሰን ናይ ኣቅሓ መፅዓንን መራገፍ ድማ ካብ መቅረባይ ዝሽፈን ምካኑ

11 ተጫረቲ ጨረታ እንጫርተሉን ዝክፈተሉን ቦታ ኣብ ወረዳና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ምካኑ ፈሊጦም ክጫረቱ ዝክእሉ ክኮኑ አለዎም

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0344340126 ሞባይል 0914124252 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo