ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ከተማ ሽራሮ ንበጀት ዓመት 2010 ዓም ንዝተፈላለየ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት :ኤለክትሮኒክስ: ኣብነት ፋርጎ ማሽን: ኮምፒተርን ናይ ኮምፒተር አክሰሰሪን: ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽራሮ

1.  ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

2.  ኣብ ናይ ፋይናንስ መቅረባይ ዝርዝር ዝተመዝገብኩም ዘሐደስኩምን

3.  ናይ 2009 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም

4.  ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን

5.  ቲን ነምበር ዝተመዝገብኩም

6.  ሰዓራይ ምካንኩም ምስተረጋገፀ ነቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዕዝያ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ንብረት ክፍሊ ክተረክቡ እትክእሉ

7.  ሰዓርቲ ምካንኩም ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክትኣስሩ እትክእሉ

8.  ካብ ዝሰዓርኩምዎ ጠቅላላ ዋጋ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሕጋዊ ቼክ 10% ክተትሕዙ እትክእሉን

9.  ካብዚ ዝተጠቀሰ መዓልቲ ገደብ እንተሓሊፎም ወይድማ እንተሓሊፈን ኣብ ዉሽጢ ሓደ መዓልቲ 0.001% ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ ንብረት ዝቅፀዑ ምካኖም ናይ መቅፃዕቲ መጠን ካብቲ ዝሰዓርዎ ልዕሊ 10% እንተኮይኑ ዉዕሊ ፈፃሚ ኣካል ዉዕሊ ናይ ምስራዝ መሰሉ አለዎ

10. ኣብ እዋን ጨረታ መተኣማመኒ ዝከዉን ብጥረገንዘብ ወይ ብሕጋዊ ቼክ ወይ ብሲፒኦ 7,000 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክእሉ

11. ኩሉ መረዳእታኩም ቅዳሕ ብምግባር ምስናይ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብምትሕሓዝ ዓሺጉም ኣብ ሳንዱቅ ክተእትዉ ዋና መረዳእታኩም እተቅርቡን

12. ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ከተማ ሽራሮ ክፍሊ ቁፅሪ 06 ከፊልኩም ክትወስዱ ንሕብር

13. ሰነድ ጨረታ 29 ሕዳር 2010 ዓም ክሳብ 16 ታሕሳስ 2010 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ይዕድም

14. ጨረታ ዝዕፀወሉ እዋን 16 ታሕሳስ 2010 ዓም ሰዓት 4፡00 ረፋድ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ 16 ታሕሳስ 2010 ዓም Â ሰዓት 4፡30 ይከዉን

15. ናይ ሕድሕድ ንብረት ዋጋ ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ጥራሕ ክምላእ ይግባእ

16. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345500149 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo