ማእከል ምርምር ሕርሻ ሽረ ማይ ፀብሪ ብናይ መደበኛ በጀት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ናይ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማእከል ምርምር ሕርሻ ማይ ፀብሪ
  • ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስተትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምትክእሉ ነፍልጥ
  • ናይ መኪና መለዋወጢ

1 ብተዛመዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝክእልን ኣብ ናይ መቐረባይ ዘተመዝገብን ግብሪ ምክፋሉ ምስክር ወረቀት ኮፒ ከቕርብ ዝክእል

2 ናይ መኪና መለዋወጢ ጨረታ መትሓዚ ብር 3000 (ሰለስተ ሽሕ) ብማእከል ምርምር ሽረ ማይፀብሪ ዝተሰርሐ CPO ወይ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዙ ይግባእ

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2009 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቅርቡ አለዎም

6 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ኸቕርቡ ዘለዎ እንትከዉን ዋንኡ/ኦርጅናል ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ ናይ ንግዲ ፈቃድ: ቲን ዝተመዝገቡ :ቃለ መሓላ : ናይ ኣቅራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጅናል ዶክመንት ከተሓሓዝ አለዎ

5 ሰነድ እቲ ጨረታ አብ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 30 (ሰላሳ ብር) ከፊሎም ብምዉሳድ አብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይክእሉ ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቐረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርማን ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም

6 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብረሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዩም ቐደም ካብ ዘተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 03 44 44 05 49 ክሓቱ ይኽእሉ

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 7/02/2010 ዓም እስካብ 21/02/2010 ዓ/ም ኮይኑ ዕለት 21/02/2010 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ አብዚ ዕለት እዙይ ማለትዉን 21/02/2010 ዓም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ አብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይክፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ አብ ዝክፈተሉ ግዘ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጋጉልን

8 ማእከል ምርምር ሕርሻ ሽረ ማይፀብሪ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

አድራሻ : ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 9 ዒላላ መቐለÂ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo