ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ አስገለ ፅምብላ ዓብዮ ናይ ማይ ሞተር ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ

ስለዚ ነዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት ተማልኡ ተጫረቲ ቀሪብኩም ንክትወዳደሩ ይዕድም

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ግብሪ መንግስቲ ከፊሉ ናይዚ 2010 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ
  2. መረዳእታ መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎ
  3. አብ ዝርዝር መቅረባየነት ዝተመዝገበን ዘሐደሰን
  4. ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋባይ ኮይኑ ናይ ወርሒ ነሓሰ 2009 ዓ∙ ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሪፖርት ከቅርቡ አለዎም
  5. ኩሉ ዝተሓተተ መረዳእታ ዋናን ቅዱሑን ከቅርብ ዝክእል
  6. ዝተማልአ ሰነድ ጨረታ ፖስታ ዋና ሓደ ፖሰታ ቅዳሕ በበይኑ ብሓደ ዓብዩ ፖስታ ተዓሺጎም ክቀርቡ አለዎም
  7. ተጫራታይ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ወይንም ቢድቦንድ ብሲፒኦ ንሕድሕዶም 10,000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል
  8. ተጫራቲ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ብምዉሳድ ዝርዝር ዋግኡ መሊኡ ኣብቲ ከይዲ ስራሕ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክገብር ዝክእል
  9. እቲ ጨረታ ካብ 1 ክሳብ 16 ጥቅምቲ 2010 ዓ ∙ም ሰዓት 4፡ 00 አብ ዘሎ ኮይኑ ጨረታ 16 ጥቀምቲ 2010 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4 ፡30 Â ተጫረቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ብግልፂ ይክፈት
  10. እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ንተከታተልቲ 50 መዓልትታት ኮይኑ መቅረባይ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዝተዉሃቦ መዓልቲ ፅሬት ዘለዎ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገለ ፅምብላ ከተማ እነዳባጉና ባዕሉ ኣጋዒዙ ኣታዊ ክገብር ዝክእል
  11. እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብቲ ዝቀረበ ንብረት 20% ናይ ምዉሳክን ናይ ምንካይን መሰል አለዎ
  12. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346610255 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo