ኤጀንሴ ልምዓት ዳኣንት ምርግጋፅ ምግቢ ዉሕስና ከተማታት ክልል ትግራይ ናይ ኤለክትሮኒክስ ናይ ቢሮ አቁሑት ብብርኪ ክልል ብግለፂ ጨረታ ክዕድግ ይደሊ

ኤጀንሴ ልምዓት ዳኣንት ምርግጋፅ ምግቢ ዉሕስና ከተማታት ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ /TIN/ ሰርተፊኬት ከቕርብ ዝክእል

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ /VAT/ ዝተመዝገበ ኮይኑ /VAT/ ምዝገባ ሰርቲፊኬት ናይ ወርሒ መስከረም 2010 ዓም VAT ድክላሬሽን ከቕርቡ ዝኽእሉ

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቐት ከቅርብ ዝክእል

5 ተጫረቲ ንዝትዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ ዘትምለለስ ብር 100 እናከፈሉ ካብ ኤጀንሲና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 10 ካብ ዕለት 06/02/2010 ዓ/ም ክሳብ21/02/2010 ዓ/ም አብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብአካል ብምቅራብ ምዉሳድ ይክእሉ

6 ዝቐርብ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒ ነንበይኑ ብሸምዒ ብዘተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኮይኑ ኣብ ላዕሊኡ ናይ መቅረባይ ሙሉእ ሽም ናይቲ ትካል ኣድራሻ ስልኪ ቝፅሪ ናይ ምንታይ ዓይነት ጨረታ ምኻኑን ናይዚ ቤት ዕዩ ሽም ክሕበር አለዎ

7 ተጫረቲ ዘትሕዝዎ መክብሪ ጨረታ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ብር 5,000.00 / Â ሓሙሽተ ሽሕ/ ን Â ንፈርኒቸር 10000( ዓሰርተ ሽሕ)ብር ብሽም ኤጀንሴ ልምዓት ዳኣንት ምርግጋፅ ምግቢ ዉሕስና ከተማታት ክልል ትግራይ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብCPO ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ዕዩ ጨረታ ሳንዱቅ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእሉ::

8 አብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ ዝስዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ዕዩና ስቶር ክፈሊ በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን ከቕርብ ዝክእል ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩÂ በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን ሰሪሑ ከጠናቅቅ ክዉድእ /ዝክእል/

9 እቲ ጨረታ ዕለት 22/02/2010 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቕድሚ ቐትሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቐትሪ ሰዓት ኤጀንሴ ልምዓት ዳኣንት ምርግጋፅ ምግቢ ዉሕስና ከተማታት ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 10 ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ዝኽፈት ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ምኽፋት ኣይተአጓጎልን

10 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ክኸዉን አለዎ ተዘይኾኑ ቫት ከምዝሐወሰ ርዱእ ተገይሩ ይዉሰድ

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 60 መዓልቲ ይኸዉን

12 ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

13 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ኤጀንሲና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት ዓቐን ወይ ዋጋ ከምአዳላይነቱ ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቐሓ ክሳብ 20% ናይ ምውሳክ ወይ ምቅናስ ይክእል እዩ::

14 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብባዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይከዉን

መተሓሳሰቢ ንተወሳኪ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 0342406363 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከአል

ኣድራሻና : ኣብ ከባቢ ፕላኔት ፊት ንፊት ዘሎ ሰናይ ዘበን ህንፃ ናብ ዝርከብ ህንፃ 2ይ ደብሪ ናብ ኤጀነሲ ልምዓት ዳኣንት ምርግጋፅ ምግቢ ወሕስና ከተማታት ቢሮ ቁፅሪ 10 ክትቀርቡ ነተሓሳስብ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo