ዉቅሮ ጠቅለላ ሆስፒታል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ንሆስፒታል ዉቅሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፅሬት መሳርሒ ደምቢ ክዳን (አንሶላ ኮቦርታ ፍርናሽ ትርኣስን ሕሙማን ብጀማን)ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ሆስፒታል ዉቅሮ

1 ቫት ተመዝጋቢ መካኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ መረዳእታ ዘቅርቡ

3 ብቢሮ ኤጀንሲ ልምዓት እቶት ናይ ግብሪ ከፈልቲ መለለዩ ካርድ ቲን ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቅርቡን ናይ ሞያ ሰርተፊኬት ዝተሐደሰ ዘቅርብን

4 ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ኣብ መቅርባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቅርቡ

5 ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ 5000 ከትሕዙ ዝክእሉ

6 እቲ ጨረታ ተመሊኡ ዝቀርበሉ ከብ ዕለት 02/02/2010 ዓ/ም ክሳብ 16/02/2010 ዓ/ም 4:00 ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይምለስ ብር 30 ከፊሎም ዓዲጎም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይክእሉ

7 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ነፀላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ዊዝሆልዲንጉን ሓዊሶም ደሚሮም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ይግብሩ

8 ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ዉቅሮ ሆስፒታል ደ/ከ/ስራሕ /ዕዳ/ ፋይ/ ንብ ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 10 እዩ

9 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 16/02/2010 ዓም ሰዓት 4:30 ዝክፈት ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተተረኪቦም ይምረፅ

10 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝተቀመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይንሎም መብርሂ መማሓየሺ እንተድልዩዎም ናይ ጨረታ መክፈቲ ዕለት ቅድሚ ምብፅሑ ቅድሚ 5ተ መዓልቲ ብፅሑፍ ናብ ቤት ፅሕፈትና ከቅርቡ ይክእሉ

11 ቤት ዕዩና ጨረታ ምስተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቱ ዝዕደግ Â መጠን በዝሒ ክሳብ 20% ክዉስክን ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

12 ተጫረትቲ ዘሸነፈዎ Â ብናይ ባዕሎም መራገፍን መፅዓንን ከምኡ እዉን ትራንስፖርት ናብ ቤት ፅሕፈትና ስቶር ከቅርቡ ዝክእሉ ምካኖም

13 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ዉዕሊ ብምእሳር 10 ናይቲ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ መክበሪ ብዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዙ ግዴታ አለወመ

14 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብመሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344430057 ደዊልካ ሐበሬታ ምርካብ ይከኣልÂ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo